top of page
Writer's pictureKalehiwet Church of Eritrea

ዕላማ ቃለ ህይወት ሕብረት ዲያስፖራ

1. ኣብዘሎናየን ኩላትን ሃገራት፡ ደሃይ ሓድሕድና ንምፍልላጥ፡ ሕብረት ሓድሕድ ብምጥራይ፡ ከምቲ ጐይታ ዝደልየና፡ ኣመንትን ተማላለስትን ጥራሕ ካብ ምዃን ወጺእና፡ ሐቐኛ ደቀ መዛሙርቲ ኽንከውንን ደቀ መዛሙርቲ ክነፍርን፡ ቤትናን ስድራናን ፡ ከምቲ ጐይታ ዚደየልና ብምንባር፡ ንምጽኣት ጐይታ ንኽንዳሎ ምግባር እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍና ሃገር፡ ንህይወትና፡ ንቤትናንን ሕብረትናን፡ ፍቓድ ጐይታ እናለለና፡ ብጸግኡን ብሓይሊ መንፈሱን ንምንባር፡ ርእስና ንምውፋይ እዩ።

2. ነቶም ኣምላኽ ዚሃበና ውሉድ፡ ከምቲ ጐይታ ዚደልዮም ጌርና ንኸነዕብዮም፡ ካብ ጐይታ ርሒቆም ንኸይጥፉኡ፡ “ተካኢ ወለዶ “ ካባና ዚሕሹ ባሮትን ኣገልገልትን ኰይኖም ንኺወጹ፡ ብኹሉ ዓቅምና፡ ካብ ቤትና ጀሚርና ክንኩስኩሶም፡-

- ካብ እዛ ንምምንጣሎም ትቃጸወና ዘላ ዓለም፡ ንኺሕለውን፡ ኣብ ንሐድሕዶም ብጐይታ ሕብረት ንኽገብሩ ፡ ኪደጋገፉን፡ ሐቢሮም ኣብ ቤት ኣምላኽ ንኺህነጹ ንምግባር።

- ንሐድሕዶም ንኺራኸቡ ባይታ ብምፍጣር፡ ነዛ ትጠፍእ ዘላ ዓለም ብናይ መንእሰያት ቋንቋን፡ ብሶሻል ሜድያ ኰነ ካልእ ወንጌል ክርስቶስ ዘብጹሑ፡ ብቑዕ ወለዶ ንምግባርም ምጽዓት።

- ከም ቃል ኣምላኽ መሰረት፡ ኣብ ነንሕድሕዶም ፍቕሪ ብምጥራይ፡ ንኣምላኽ ዘኽብር ቅዱስ ሐዳር፡ ቅዱስ ስድራቤት፡ ዘላቒ ናብራን ንኺምስሩቱ ፡ ብዘድሊ ምሕጋዞም፡ ምምሃሮምን ። ብኹሉ ህይወቶምን ናብርምን ንዓለም ኣርኣያ ኰይኖም ንኽወጹ ንምግባር።

- ሕጻወንትና ኰነ ቆልዑትና፡ ግብእ ቃል ኣምላኽዊ ትምህርቲ ንኸጥሩዩ፡ ኣዴታት ኰነ ኣቦታት፡ ነቲ ዘይርኣ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ንኺረኽብዎ ብህይወትና ኽንምህሮም። ትምህርቲ ሰንበት ድማ፡ ካብ ገዛና ጀሚርና ክሳብ በቲ ሕብረት ተደራጅዩ ዚወሃብ ትምህርቲ፡ ኰስኩስና ንምዕባዮም፡ ዚከኣለና ብምግባር ሐላፍነትና ንምውጻእ እዩ።

3. ነፍሲ ወከፍ ምእመን፡ ሐቐኛ ወዲ መዝሙር ኰይኑ፡ ካልኦት ዚፈርዩ ደቂ መዛሙርቲ ንኽፈሪ ምእንቲ፡ ግቡእ ትምህርቲ ወዲ መዝሙር (DMM) ንኽወስዱ ምግባር። ነፍሲከፎም ድማ፡ ሐቐኛ ደቀ መዝሙርቲ ኰይኖም፡ ኣብ እቲ ዘለውዎ ሃገርን ካብ ኩሎም ዓሌታትን ፡ ደቀ መዛሙርቲ ምፍራይን፡ ናይ ኣባይቲ ኣብያተ ጸሎት ኪተኽሉ ምምሃሮምን ምትብባዖምን።

4. ነቲ "ሰለዚ ኺዱ ናብ ኩሉ ፍጥረት ወንጌል ስበኹ" ንዚብል፡ ዓብዩ ትእዛዝ ንምፍጻም፡-

- ብቀዳምነት ደረጃ ንብሄረታትና ወንጌል ንኺበጽሖም፡ ብጸሎት፡ ብፋይናንሳዊ ሓገዝን ካልእን፡ ግቡእና ብምግባር ተሳተፍቲ ንኺንከውን ምግባር።

- ኣብ ዘዘለናዮ ሃገራት፡ በቲ ተማሂርናዮ ዘሎና ቋንቋ፡ ባዕልና ኰነ ብደቅና፡ ምስ እተን ዚመስላና ማሕበራት ብምትሕብባር፡ ወንጌል ንኸነብጽሕን ደቀ መዛሙርቲ ብምፍራይ ኣብያተጸሎት ኣባይቲ ክንምስርት ምግባር።

5. ዘመና ናይ ሜድያ ዘመን ብምዃኑ፡ ንማሕበራዊ ሜድያ ብምጥቃም፡-

- ዝከኣለና እንተኰይኑ፡ ርእስና ወፊና፡ ኣብ ሚስዮናዊ ሜዳያ፡ ብጸሎት ኰነ፡ ምስ ሰላምና ሬድዮን ቲቪን ብምትሕብባር፡ ኣብ ምድላው መደባትን መልእቲታትን ክንሳተፍ።

- ኣብ ካልእ ማሕበራዊ ሜድያ፡ ብዚዳለወልና መዳባት፡ ከም ወለዲ ፡ መእሰያት፡ ሕጻናት፡ ቈልዑን ተጠቀምቲ ጥራይ ዘይኰና፡ ተዋሳእትን ኣፍረይቲን፡ ክንከውን።

- በብጸጋና መንእሰያት፡ ዘመርቲ፡ ትምህርቲ ሰንበት፡ ኣዴታት ቤተሰብ ወዘተ. ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ሃነጽቲ ትምህርትታት ፡ መዝሙርን ካልእን ንምቕራብ፡ ተወዲብካ ምዕያይን።

- ኣብ ኣገልግሎት ስነ ጽሑፍ፡ መጽሔት ሰላምና፡ መንፈሳዊ ጽሑፋት፡ መጻሕፍቲ፡ ንኣና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንኻልኦት ማሕበራት ኪጸሉን፡ መንፈሳዊ ተጽዕኖ ንኺገብርን ዝክኣለና ምብርካት።

6. ነታ ኣብ ዓዲ ሐድግናያ ዚመጻና ማሕበርናን ሃገርናን፡

- ቅድሚ ኹሉ ጾር ተሰሚዑና ንኽንጽሊ ፡ ብሓባር ብምዃን ፡ ኣብ ሰነሰላታዊ ጸሎት ክንጽመድ ምግባር።

- ብምቕጻል፡ ከከም ዓቅምናን ብፍታው ልቢን፡ ብንዋት ይኹን ብገንዘብ፡ ንማሕበርና ሐገዝ ክንገብር።

- ነተን ካብ ዓድና ወጻኢ፡ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዘለዋ ማሕበራት ቃለ ህይወት፡ ብዝከኣለና ወንጌል ንኺዝርግሓን፡ ነቶም ብኹነታት ሃገር ንዚወጹ ጠርኒፈን፡ ንወንጌል ንኸፋጥንኦም፡ ብኹሉ ዚከኣለና ዘበለ ኺተሐባበርኦም፡ ብፍላይ ድማ ኣገልገልትና እናኸዱ ንምንቕቓሕ ከገልግልዎም ምግባር።

7. ነፍሲወከፍ ምእመን ኰነ ኣገልጋሊ፡ ብፍልጠት ቃል ኣምላኽን ብኹሉ መንፈሳዊ ብስለት፡ እናወሰኸ ንኺከይድ፡ ሓሊፋ ድማ ንቤተክርስትያን ጽባሕ፡

- ሐቐኛ ኣገልገልቲ ኣብ ምፍራይ፡

- ብዝተሐተ ይኹን ብዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ፡ መሪሕቲ ኣብ ምፍራይ ተራ ንኽህልወና፡ ሕጂ ጊዜ እንከሎና ትምህርቲ ክንውስኽን ክንተባባዕን ምግባር።

- ሽቶታትባ ንምዉቃዕ፡ ብኹሉ መዳይ ትምህርቲ ንኸንዓቢ፡ ደጌታት ብምኽፋትን፡ ንገዛእ ርእስና ብምውፋይን፡ ድልዋት ምኳን ምጽዓር።

- ንቤት ትምህርቲ ስነ መለኮት ዘድሊ ዘበለ፡ ሕጂውን ኣብ ዘዘለናዮ እንከሎና፡ ቅድመ ምድላዋት ክንገብር፡ ብዘድሊ ምድላውን ምዕጣቕን።



5 views0 comments

Recent Posts

See All

Comments


bottom of page